ጌታቸው ረዳ ካልኦት መራሕቲ ጉጅለ ጁንታን ዝጥቀሙለን ብዓሸራ ዝኽፈታን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ተሸከርከርቲ ተታሒዘን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጌታቸው ረዳ ካልኦት መራሕቲ ጉጅለ ጁንታን ብእግሮም ምህዳም ቅድሚ ምጅማሮም ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ልዕሊ 40 ናይ መንግስቲ ተሸከርከርቲ ኣብ ኢድ ሰራዊት ምክልኻል ኣቲየን።

እቲ ጉጅለ ስጉምቲ እቲ ሰራዊት ምፅዋር ኣቢዩዎ ናብ ገጠር ከባቢታት ብእግሩ ምጉዓዝ እንትጅምር ብዕጡቓቱ ኣቢሉ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ይፈትን እምበር ከምዘይተሳኸዐሉ ኣዛዚ ክፍለጦር ኮሎኔል ደጀኔ ፀጋየ ተዛሪቦም።

እቲ ፅፈኛ ጉጅለ መሰረተ ልምዓት መገዲ ኣብ ዘይብሉ ካብ ከተማ ማይጨው 60 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ወረዳ ዲላ ልዕሊ 40 ዝኾና ናይ መንግስቲን ብዙሓት ናይ ውልቀ ተሸከርከርቲን ሒዙ ንምሕባእ ዝገበሮ ፈተነ ከምዝፈሸለ ኢዮም ኮሎሌል ደጀኔ ዝገለፁ።

ሰራዊት ምክልኻል እተን ተሸከርከርቲ ካብ ሓይሊታት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ መንዚዑ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ኣውዓለን ብዝገበሮ ፍተሻ፥ ኣብ ውሽጢ እተን ተሸከርከርቲ መስታወቂያን ፓስፖርትን ተረኺቦም።

ዝተፈላለዩ ሰነዳቶም ደብሪዮም ካብ ሞንጎ ዝሃደሙ ሰባት ድማ፥ ነበር ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፣ ኣመሓዳሪ ከተማ ማይጨው ዝነበሩ ሃፍቱ ኪሮስን ካልኦት ምምሕዳር ወረዳታት ዝነበሩ ሰባትን ይርከቡዎም።

ነበርቲ እቲ ከበቢ ኣብ ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት ጌታቸው ረዳ ብዴላ ኣቢሉ ካብ ውሽጢ ዝሃደመ ጉጅለ ከምዝርከቦ ኢዮም ኮሎኔል ፀጋየ ዝገለፁ፡፡

ብሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝተትሓዛ ተሸከርከርቲ እተን ሽዱሽተ ብዓሸራ ዝኽፈታ ኣዚየን ዘበነዎት ተሸከርከርቲ እንትኾና፥ ኣርባዕተ ንመከላኸሊ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ መንግስቲ ፌዴራል ንክልል ትግራይ ዝተበርከታ ኣምቡላንሳት ይርከበኦ።

እቲ ሰራዊት ፅንፈኛ ጉጅለ እናተጠቐመለን ዝነበራ ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲን ቦቴታትን ናብ ከተማ ማይጨውክኣትዋ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብዓሸራ ዝኽፈታ ተሸከርከርቲ ድማ ምስ ሞኤንኮ ብምዝርራብ ካብቲ ከባቢ ንምልዓልን ፍተሸ ንምግባርን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብፋሲካው ታደሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment