ጋዜጠኛ ኣንቷን ጋሊንዶ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ካብ ዝተውሃቦ ፍቓድ ፀብፃ ወፃእ እናተንቀሳቐሰ ስለዝተረኸበ ኢዩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቷን ጋሊንዶ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ካብ ዝተውሃቦ ፍቓድ ፀብፃ ወፃእ ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር እናተንቀሳቐሰ ስለዝተረኸበ ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ÷ ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳያት መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ጋዜጠኛ ኣንቷን ጋሊንዶ ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብርት ኣፍሪካ ሽፋን ንመሃብ ፍቓድ ረኺቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅአ ኣዘኻረን፡፡

ይኹን እምበር እቲ ውልቀሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ሽፋን ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣተወሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ዝመፅአሉ ዕላማ ፍፁም ተፃራሪ ዝኾኑ ተግባራት እናሰርሐ ምፅንሑ ዘርእዩ ሓበሬታታት ከምዝተረኸቡ ኣልዒለን፡፡

እዚ ድማ ካብ ዝመፅአሉ ዓላማ ወፃእ ብፍላይ ውሽጣዊ ጉዳያት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ንምእካብ እናፈተነ ከምዝነበረ ኣብሪሀን፡፡

ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ፓርቲታት ፖለቲካ ከምኡ እውን ተሳትፎ ኣለዎም ዝበሎም ማሕበራዊ መንቃሕቲን እናዘራረበ ከምዝነበረ ገሊፀን፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመፅአሉ ቀንዲ ዕላማ ወፃእ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ትኹረት ብምግባር ሓበሬታታ ንምእካብ ብዝበሮ ፃዕሪ ተጠርጢሩ 14 ለካቲት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ጉዳዩ ብቤት ፍርድ እናተርኣየ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርድ ከምዝቐረበ እውን እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብሪሀን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment