ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክፍሊ  ቴሌቪዥን ትግርኛ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላዊን ሃገራዊን መራኸብቲ ሓፋሽ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብሞያ ጋዜጠኝነት ዘገልገለ ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ÷ ብዝሓደሮ ሕማም  ኣብ ከተማ መቐለ  ክትትል ሕክምና ክገብር ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መበል 51 ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ውህሉል ዓቕሚ ካብ ዝነበሮም ሰብሞያታት ሓደ ነይሩ።

10 መስከረም 1965 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደ ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ፥ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ።

ስነ-ስርዓት ቐብሪ ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ሎሚ 3 ለካቲት 2016 ዓ/ም  ድሕሪ ሰዓት  ብርክት ብዝበሉ  ፈተውቱ፣ ዘመድ ኣዝማድ፣ ናይ  ሙያን ስራሕን መሓዝቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤተክርስትያን እንዳ ገብርኤል ከባቢ ዕዳጋ ብዕራይ መቐለ ተፈፂሙ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment