ጋዜጠኛ ስፖርት ፍቅሩ ኪዳኔ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታሪኽ ጋዜጠኝነት ስፖርት ኢትዮጵያ፥ ጨዋታ ኩዕሶ እግሪ ብቀጥታ ፈነወ ሬድዮ ብምምሕልላፍ ፈላማይ ኢትዮጵያዊ ዝነበሩ ኣይተ ፍቅሩ ኪዳኔ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ኣይተ ፍቅሩ ኣብ ታሪኽ ጋዜጠኝነት ስፖርት ኢትዮጵያ ፈላሞት ካብ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ሓደ እንትኾኑ፤ከምኡ እውን ብጋዜጠኝነት ስፖርት፣ ብመሪሕነትን ደራሲነትን ዝፍለጡ ውሩይ ጋዜጠኛ ስፖርት እዮም ነይሮም።

ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ፀብፃባት ስፖርት ብምቕራብ፣ ኣብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፣ ብመሪሕነት ኮሚቴ ካፍን ኦሎምፒክን ከምኡ’ውን ብኣጣያሽነት ማሕበር ጋዜጠኝነትን ልዑል ኣገልግሎት ምሃቦም ሓበሬታ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ የረድእ።

“የፒያሳ ልጅ” ዝተሰመየ መፅሓፎም ኣፍልጦ ዝረኸቡ ደራሲ እውን እዮም ነይሮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እውን ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላፅ፤ ንስድሮኦም፣ ፈተውቶምን ምፅንዕናዕ ይምነ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment