ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ፈልሲ ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ሃገር ለኸ ሓምለዋይ ኣሰር ቤት ፅሕፈት ቀዳማ ሚኒስትር ኣብ ዘሰናደኦ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ፈልሲ ተኺሎም።

ከፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ትኽክለኛ ሓሬታ ንህዝቢ ተበፃሒ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንወለዶ ዝሳገር ድርብ ሃገራዊ ዜግነታዊ ሓላፍነት ምውፃእ ትርጉሙ ብዙሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ዘምፀኦ ለውጢ ልዑል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ጋዜጠኛታት፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመታት እውን ካብ ሃገር ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም ፅዕንቶ ምፍጣር ብዘኽእል መልክዑ ኩሉ ሰብ ፈለሲ ክተክልን ክከናኸንን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ፖለቲካ ዘይራኸብ ንወለዶ ዝሳገር ፀጋ ስለዝኾነ ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ንህዝቢ ትኽክለኛ ሓሬታ ተበፃሒ ኣብ ምግባረን ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎም ተባሂሉ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment