ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ርክብ ህዝቢን ንዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ንኸፋልጡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምፍላጥ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ርክብ ህዝቢ ትካላት መንግስቲን ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

እቲ መብርሂ እቶም ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ እኹል ግንዛበ ሃሊዩዎም ንማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥ ንኽሰርሑ ዘኽእል ኢዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ÷ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምፍላጥ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲተን።

እቲ ጉባኤ ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ኣጋይሽ ከምዝሳተፉሉን ካብቲ ሚኒሰስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment