ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንደቂ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝኾኑ ማውቲ ትምህርቲ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንደቂ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝኾኑ ማውቲ ትምህርቲ ከምዘበርከተት ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት እታ ጋንታ ነቶም ደቂ ኣባላት ሰራዊት ዝኸውን 50 ሺሕ ደፍተር፣ 5 ሺሕ ቢሮን 5 ሺሕ እርሳስን ኣበርኪቶም፡፡

እቲ ሓገዝ፥ፕሬዚዳንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣይተ ኣብነት ገብረመስቀል ንምሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መክልኻል ማርታ ልዊጂ ኣረኪቦም፡፡

ማሕበር ጉዕሾ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ናብ ማይካድራ ብምጉዓዝ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ካፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ንምግባር ምድላዉ ከምዝዛዘመ እውን ካብ ሚኒስቴር ምክልኃል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment