ጋንታ ሮማ ንኣሰልጣኒ ዳንኤል ዲ ሮሲን ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያናዊት ጋንታ ሮማ ንኣሰልጣኒ ዳንኤል ዲ ሮሲን ካበ ሓላፍነቱ ከምዘሰናበተቶ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣሰልጣኒ ካብ ሓላፍነቱ ዝተልዓለ ንጋንታ ሮማ ዕውትቲ ክገብራ ኣይከኣለን ብዝብል ኢዩ፡፡

ሮማ ካብ ዘካየደተን ኣርባዕተ ፀወታታት እተን ሰለስተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ሓደ ስዕረት ምዝዛማ ዳኒኤል ዲ ሮሲ ንኽሰናበት ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ዘሎ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ሮማ ኣብ ጣሊያን ሴሪ ኤ መበል 16 ደረጃ ትርከብ፡፡

ዲ ሮሲ ንፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆሴ ሞሪኒሆ ብምትካእ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ንጋን ሮማ ብዋና ኣሰልጣናይነት ምምርሑ ብምዝኽኻር ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment