ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ክተሕድስ ምዃና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ውሩይ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ብክልተ ቢሊየን ፓውንድ ወፃኢ ክተሐድስ ምዃና ኣፍሊጣ፡፡

እቲ ሕድሳት እንትዛዘም ዓቕሚ መሓዝ ተመልከትቲ እቲ ስታዲየም ልዕሊ 100 ሺሕ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ሕድሳት እንትዛዘም ኣብ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሰባት ክጉብንዩዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ፕሮጀክት ሕድሳት ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ኢኮኖሚ ቱሪዝም እንግሊዝን ብ7 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ዩሮ ክብ ከምዘብሎ ተገሊፁ፡፡

ልዕሊ 92 ሺሕ ዕድላ ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ዝተብሃለ እንትኸውን÷ ልዕሊ 17 ሺሕ ሓደሽቲ ገዛውቲ ክህነፁሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ከተማ ማንቼስተር ዝተሃነፀ ሓዱሽ ኦልድትራፎርድ÷ ኮምፕሌክስ ፓርክ፣ ፕሮጀክት መዘውተሪ ስፖርት፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ መዘናግዒ ቦታ፣ ማእኸላት ንግዲን ቤት ትምህርቲን ክህልዉዎ ኢዮም፡፡

ማንቼሰተር ዩናይትድ÷ ህንፀቱ ንምዝዛም ነበርቲ ከተማ ማንቼስተር ሓገዝ ገንዘብ ንኽገብሩ ከምዘይሓተተን ህንፀቱ ክሳብ ዝዛዘም ተርሚናላት ትራንስፖርት ናብ ካሊእ ቦታ ክዘዋወሩላ ሓቲታ፡፡

ነበር ኮኸብ ተፃዋታይ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ጋሪ ኔቭልን ከንቲባ ከተማ ማንቼስተር ኣንዲ በርንሃምን ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጄክት ናይ ዝከታተል ግብረ ሓይሊ ኣከብቲ ብምዃን ከምዝተመረፁ ቶክ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment