ጋንታታት ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ፥ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ዘሎ።

ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ኲናት ምኽንያት ጋንታታት እቲ ክልል ኣብ ፕሪሚየር ሊግ፣ ላዕለዋይ ሊግን ቀዳማይ ሊግ አናገበረኦም ዝነበራ ውድድራት ከምዝተቛረፃ ብምኽባር÷ መንግሽጺን ኣመራርሓ ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ስምምዕነት ሰላም ብምፍራም ኩሉ ነገር ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣብ ምርድዳእ ብዝተበፅሐ መሰረት ካብ 2017 ጀሚሩ ኩለን ጋንታታት ትግራይ ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ብዝለኣኾ ደብዳበ ሓቲቱ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፥ ጋንታታት ክልል ትግራይ ልዕሊ 2 ዓመት ኣብ ውድድር ዘይተሳተፋ ብምዃነን ብመሰረት መተሓዳደሪ ደምቢ እቲ ፌዴሬሽን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ውድድር ካብ ምስራዝ ሓደ ደረጃ ወሪደን ውድድር ክጅምራ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ነይሩ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣመሓላሊፉዎ ዝነበረ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ብምሕዳግ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ እተን ጋንታታት ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ካብ መንግስቲ ዘቕረቦ ኣንፈት ብምቕባል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንኽገብሩ ንዝምልከቶም ኣካላት ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ገሊፁ።

ናብ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ÷ እቲ ሊግ ኣብ ዘበነ ውድድር 2017 ኣብ ሞንጎ 19 ጋንታታት ተገይሩ 5 ጋንታት ናብ ላዕለዋይ ሊግ ንኽርዱ ብምግባር ኣብ ውድድር ዘበን 2018 ቅድሚ ሕዚ ናብ ዝነቦ 16 ጋንታታት ንኽምለስ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment