ጋምቢያ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ታሪኻ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፅዋዕ ኣፍሪካ ጋምቢያ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ።

ትማሊ ምሸት ሓደ ሰዓት ጋምቢያ ምስ ጊኒ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ብብሕታዊት ሽቶ ሙሳ ባሮ 1 ን 0 ብምስዓር ኢያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናብ ርብዒ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክትፅምበር ክኢላ ዘላ፡፡

ብኻሊእ ፀወታ ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ዝኾት ካሜሮን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዙሓት ተፃወትቲ ንዝሰኣነት ኮሞሮስ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ ኣላ።

ካርል ቶኮ ኢካምቢን ቪሰንት ኣቡበከርን ካሜሩን ንኽትዕወት ሽቶ ዘቑፀሩ ተፃወትቲ ኢዮም።

ብወገን ኮሞሮስ ናጂም ኣብዱ ኣብ መበል 7ይ ደቒቕ ብቀይሕ ካርድ ዝወፅአ እንትኸውን፥ ኣብቲ ውድድር ቅልጡፍ ቀይሕ ካርድ ዝተመልከተ ተፃዋቲ ኮይኑ።

ናይ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኢትዮጵያዊ ኢንተርናሽናል ዳኛ ባምላክ ተሰማ ማእኸል ዳኛ ኮይኑ መሪሑዎ።

ጨዋታዎቹ ዛሬም ሲቀጥሉ በ2019ኙ የአፍሪካ ዋንጫ ሁለተኛ ሆና ያጠናቀቀችው ሴኔጋል ምሽት አንድ ሰዓት ላይ ኬፕ ቨርዴን ትገጥማለች

ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ እቲ ፅዋዕ ሎሚ እውን ዝቕፅሉ እንትኾኑ፥ ሴኔጋል ምስ ኬፕ ቨርዴ ምሸት ሓደ ሰዓት ክራኸባ ኢየን፡፡

ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ድማ ሞሮኮ ምስ ማላዊ ከምዝፃወታ ካፍ ኦንላይን ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment