ጊዝያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጊዝያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ከተማ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ተዛቲዩ፡፡

እቶም አባላት ማሕበረብ ንግዲ ኣብታ ከተማ ዝተፈጠረ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ብምጥቃም ናብ ስረሖም ብሙሉእ ዓቕሞም ንክምለሱ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነጋዶ ስራሕቲ ንግዶም ምስ ባንኪ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ኣገልግሎት ባንኪ ንክጅመረሎም ሓቲቶም፡፡

ኣብቲ ክልል ካብ ጣቢያ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ብርኪ ዘሎ መንግስታዊ መሓውር ብህፁፅ ናብ ስራሕ ንክኣቱን ነጋዶ ብሙሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ ንምምላስ ፖሊስ እታ ከተማ ብህፁፅ ስርሑ ንክጅምር እውን ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ኣብታ ከተማ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ፀገም ምንሃር ናብራ መንገስቲ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ብምዃን ክፈትሖ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብፍላይ መሰረታዊ ሸቐጣት ዘቕርቡ ነጋዶ ወሰኽ ዋጋ ካብ ምእባር ንክቑጠቡ ተዛሪቦም፡፡

ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ፤ እኢ መድረኽ ዘተ ዘድለየሉ ምኽኒያት እቶም ነጋዶ ናብ ስራሕ ንከይኣትዉ ዘፀገመ ነገር ብምርዳእን ብምቕራፍን ናብ ስረሖም ንክኣትዉ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment