ጊዝኦም ዝሓለፎም ኮሚቴ መራኸብቲ ሬዲዮ ብምጥያሽ ንፀረ ሰላም ጉጅለ ህወሓት ዝለኣኹ መኮንናት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴ ሓዊሱ 7 መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል አራዳ ምድብ መጋባእያ ቀዳማይ ጊዜ ቆፀሮ ብምቕራብ ጉዳዮም ተራእዩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ጊዝኦም ዝሓለፎም ኮሚቴ መሳርሒታት መራኸብቲ ሬዲዮ ብምጥያሽ ንፀረ ሰላም ጉጅለ ህወሓት ግልጋሎት ንክውዕሉ ናብ ትግራይ ከምዝለኣኹ መርማሪ ፖሊስ ኣረዲኡ።

መርማሪ ፖሊስ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተውሃቦ 12 መዓልታ ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ኣብሪሁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ብተወካሊኦም ኣቢሎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ብምርካብ መቃወሚኦም ኣስሚዖም።

እቶም ተጠርጠርቲ ጊዝኦም ዝሓለፎምመሳርሒታት መራኸብቲ ሬዲዮ ንፀረ ሰላም ጉጅለ ህወሓት ከምዝለኣኹ ኣረጋጊፀ ኢየ ክብል ተዛሪቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment