ጉጅለ ጥፍኣት ጁንታ ንመወዳእታ ግዘ ንምቕባር ተሓባቢርና ንስራሕ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ጁንታ ንመወዳእታ ግዘ ንምቕባር ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍን ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ዝኹንን ሎሚ መዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ኣካይም፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ዝተረኸባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዘብዒ ኢትዮጵያ ንምዃን ዘርአዩዎ ዘርአዩዎ ንተበግሶ ኣመስጊነን፡፡

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንህዝቢ ትግራይ እውን በዲሉ ኢዩ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ህዝቢ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንምንፃል ብዙሕ ከምዝሰርሐ ገሊፀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉጅ ግብረ ራዕዲ ንመወደእታ እዋን ንምቕባር ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ተሓባቢርካ ምስራሕ ይግባእ ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

ኢትዮጵያ ክምዕብል ኢየ፣ ግድብ ህዳሰ ሃኒፀ ክዛዝም ኢየ፣ ህዝበይ እናለመነ ክነብር የብሉን ኢላ እናሰርሐት ኣብ ትርከበሉ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ምምዝማዝ ዝለመዱ፣ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝፍትኑን ትንሳኤ ኢትዮጵያ ንምጥዕንቓፍ ዝሰርሑ ሓይሊታት ከምዘለዉ ተዛሪበን፡፡

ይኹን እምበር ንኢትዮጵያ ካብ ትንሳኤን ምዕባለን ዘተዓናቕፋ ዝኾነ ይኹን ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ኣረጋጊፀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment