ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣6 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜንዝፈፀሞ ተግባር ከምዝኹንኑ ነበርቲ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝገመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ልኡኽቶ ህላወን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም፡፡

እቲ ሰራዊት ምክልኃል ዝጀመሮ ተግባር ምኽባር ሕጊ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ዝበፅሕ ኣብ ጎኑ ከምዝስለፉ እውን ገሊፆም ኢዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ነበርቲ ዞባ ሃላባን ከተማ ኣርባምንጭን ተግባር ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ኩለን ወረዳታት እቲ ዞባ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ 255 ሰንጋታት፣ 36 ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን ካብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣመራርሓታትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ብር 6 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብ ንሰራዊተት ምክልኻል ሓገዝ ኣበርኪቶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment