ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምምካት ናይ ዜግነት ግዴተኦም ከምዝዋፅኡ መናእሰይ ከተማ ጋምቤላ ገሊፆም።
እቶም መናእሰይ መንግስቲ ዝወሰኖ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ብዘይምቕባል ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከምዘውግዙ ኣፍሊጦም።
መንእሰይ ኦባንግ ኮመዳን፥ እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ እኩይ ተግባር ንምክልኻል ናይ ዜግነት ግዴትኡ ንምውፃእ ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈፀሞ ግፍዒን በደልን እንተይኣኸሎ ሐዚ እውን ተወሳኺ ጥፍኣት የብፅሕ ከምዘሎ ዝገለፀ ድማ መንእሰይ ሃይለ ኣራጌ ኢዩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላምኡን ንምፍሻል መናእሰይ ኢትዮጵያ ብሓባር ንክለዓሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
መንእሰይ ኮንግ ጋድቤል ብግደኡ፥ እቲ ጉጅለ ነልዕሊ 20 ዓማውቲ ሀዝቢ ትግራይን ዶብን እንትሕሊ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጥቕዓት ዝፈፀመ ከሓዲ ኢዩ ኢሉ።
ነዚ ብምውጋዝ፥ ሃገር ንምብታን ዝመፅአ ሓይሊ ኮፍ ኢልና ኣይነፅበን ኢሉ።
ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ብምስላፍ ዜግነታዊ ግዴትኡ ከምዝዋፃእ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።