ጉጅለ ግበረ ራዕዳውያን ኣብ ኣመሓድራ ዞባታት ብሄረ ሰብ ኦሮሞ ንብረት መንግስትን ነብሰ ወከፍን ከምዝዘረፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግበረ ራዕዳውያን ኣብ ኣመሓድራ ዞባታት ብሄረ ሰብ ኦሮሞ ንብረት መንግስትን ውልቀን ከምዝዘረፉ ተገሊፁ።

ግበረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ግልጋሎት ዝህቡ ብርክት ዝበሉ ትካላት መንግስትን ውልቀን ከምዝዘረፉን ዘይከኣሉዎ ድ ከምዘዕነዉን ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣሕመድ ሓሰን ተዛሪቦም።

አይተ ኣሕመድ ሓሰን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝገለፅዎ÷ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝፀንሓሎም መዓልትታት ምስ ተለኣኣኺ ጉጅለ ሸኔ ብሓባር ብምዃን ኣብ ምምሕዳር ዞባ ብሄረ ሰብ ኦሮሞ ንብረት መንግስትን ውልቀን ጉድኣት ኣብፂሖም ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዘፈራት ውልቀ ትካላት ወፊሮም ሃብቲ ዝኣከቡ፤ ንብረት በዓል ሃፍቲታት ብምዝራፍን ብምዕናውን ነቲ ሕብረተ ሰብ ጥሪት ኣልባ ከምዝገበሩምዎ ኣብሪሆም።

ግበረ ራዕዲ ህወሓት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝጥቀሙሉ ብርክት ዝበሉ ዘፈራት ኣገልግሎት ንግዲ ኣዕንይዎ እዩ።

እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ልዑል ፈሰስ ሃፍቲ ዝተገበረሎም ንዘፈራት ቱሪዝም ክድግፉ እዮም ተባሂሎም ትፅቢት ዝተገበረሎም ትካላት ከምዝዘረፈን ንምጉዕዓዝ ዘይኸኣሎ ድማ ከምዘዕነወን እቲ ሕበረተሰብ ምስክር ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment