ጉጅለ ዕጡቓት ቤሕነን ምስ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስምምዕነት ሰላም ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ናፃነት ህዝቢ ቤኒሻንጉል (ቤሕነን) ምስ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስምምዕነት ሰላም ብምክታም ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ብሓባር ንምስራሕ ሎሚ ናብቲ ክልል ኣምሪሖም፡፡

ጉጅለ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ናፃነት ህዝቢ ቤኒሻንጉልን መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብመሰረት ዝበፅሕዎ ስምምዕነት ሰላም÷ እቲ ጉጅለ መማረፅታት ሰላም ተጠቒሙ ናብቲ ክልል ተመሊሱ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዕጥቖም ፈቲሖም ተሃድሶ ብምውሳድ ኣብ ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን እቲ ክልል ከምዝዋፈሩ ተገሊፁ፡፡

ኣመራርሓን ኣባላትን ናይቲ መማረፅታት ሰላም ተቐቢሉ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ጉጅለ ዕጡቓት ቤህነን÷ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ አሻድሊ ሓሰን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ሎሚ ምሸት ኣቀባብላ ከምዝገብርሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ሃሩን ዑመር ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment