ጉጅለ ትህነግ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዝ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደትን መጥቃዕቲን ንመላእ እዝና ኣቖጢዑ ኢዩ- እዝ ምዕራብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነኻሲ ጡብ ኣደ ጉጅለ ትህነግ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዝ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደትን መጥቃዕቲን ንመላእ እዝና ኣቖጢዑ ኢዩ ክብል እዝ ምዕራብ ገሊፁ።

ተወካሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዋና ኣዛዚ እዝ ምዕራብ ኮሎኔል ቢረሳው ሽፈራው፥ ጉጅለ ትህነግ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዝ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደትን መጥቃዕቲን ንመላእ ኣባላት እዝ ኣቖጢዑ ኢዩ ኢሎም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ነቀምቴ ኣይተ በሪሶ ተመስገን ብግደኦም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝተፈፀመ ክሕደትን መጥቃዕቲን ንባዕዳዊ ሃገር ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ተደምሲሱ ንፍርዲ ክሳብ ዝቐርብ ምምሕዳር እቲ ከተማን ነበርቲን ምስ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሓባር ደው ክንብል ኢና ኢሎም።

ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያ ዋና ሳጅን ዳዊት ሃይሉ ድማ፥ እቲ ሰራዊት ምስጋናን ክብሪን እናተገበኦ መጥቃዕቲ ተፈፂሙዎ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ስግብግብ ጁንታ ጉጅለ ተታሒዙ ናብ ሕጊ ክሳብ ዝቀረብ ምስ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለፍ ኢና ክብሉ ምዝራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሕበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment