ጉጅለ ሸኔ ናይ ምድምሳስ ስራሕ ንሰራዊት ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን – ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ሸኔ ናይ ምድምሳስ ስራሕ ንሰራዊት ጥራሕ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ተዛሪቦም።

ላዕሎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ሰላም ዝዓሰላ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ብዝብል ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣካላት ፀፅታን ክልል ኦሮሚያ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር÷ “ህዝቢ ንምርዓድ ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ሸኔ ምድምሳስ ንሰራዊት ምክልኻል ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን” ኢሎም፡፡

ህዝቢ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ክሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ÷ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኸዓስል ሕብረተሰብ ንኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፉ ብመሃብ ዝተለመደ ምትሕብባሩ ኣጠናኺሩ ንኽ ቕፅል ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብሓባር ብምቅላስ ሃገር ገፃ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ልምዓት ንኽተዝውር ናይ ምግባር ተግባር ሓላፍነት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከመዝኾነ ምግላፁ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment