ጉጅለ ሕክምና እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ኣለርት ኣብ ሕክምና ዕሸል ህፃናት ዘድሀበ ስልጠና ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ሕክምና ሃገረ እስራኤል ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ስፔሻሊስታት ዕሸል ህፃናት ኣብ ሆስፒታል ኣለርት ኣብ ሕክምና ዕሸል ህፃናት ዘድሀበ ስልጠና እናተውሃበ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ስልጠና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሞት ዕሸል ህፃናት ንምንካይ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ኣለርት ዶክተር ፀጋዬ ገብረኣናንያ ተዛሪቦም።

ሕፅረት መሳርሒታት ሕክምናን ሕፅረት ብቁዕ ሓይሊ ሰብን ንምውሳኽ ሞት ዕሸል ህፃናት ምኽንያት ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ስልጠና ዓቕሚ ዘዕቢ ተወሳኺ ፍልጠት ዝርከበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ሕክምና ካብ ስልጠና ብተወሳኺ ንዝተፈላለያ ሆስፒታላት ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ከምዝገበረ ደረጉን ምክትል ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ቶሜር ባር ላቪ ተዛሪቦም።

ከምዚ ዝበሉ ሓገዛትን ምትሕብባራትን ርክብ እስራኤልን ኢትዮጵያን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር እውን ሓቢሮም።

ብቅድስት ኣባተ

Comments (0)
Add Comment