ጉጅለ ልኡኽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤን ኣመራርሓ እታ ከተማን ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ኣመራርሓ እታ ከተማን ዘቲዩ።
እቲ ዘተ፥ ሕውነታዊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምፍጣርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ልምዲ ብምውስድ ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን መሊስካ እግሪ ንምትካል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከምዝድግፍ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ብምትሕብባር ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ብምፍላይ ገፍ ናውቲ፣ ሰብ ሞያን ገንዘብን ከምዝገብር ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ቃል ኣቲየን።
ብሳሙኤል ወርቃየሁ
Comments (0)
Add Comment