ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣንጎላ ተቐቢሉ ኣብ ዘፈር ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ልውውጥ ልምዲ ኣካይዶም።
እቲ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ዘፈር ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ተሳትፎ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ፣ ፀገማት እቲ ዓውዲን እናተፈትሑ ዝርከቡሉ ኣሰራርሓን ልምዲ ንምቕሳም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ዋና ዳይሬክለተር በዓል መዚ ማሪታይም ኣይተ መኮነን ኣበራ፥ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ልምዲ ንምልውዋጥ ምምምፅኡ ኣመስጊኖም፡፡
ዓውዲ ሎጂስቲክስ ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚ ዘኽእል ብምዃኑ፥ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፀገማት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ፖሊሲን ስትራቴጂን ተሓንፂፁ ሃገራዊ ሓላፍነት ብዘለዎ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ እናተመርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ከዚህ ባለፈም በአጠቃላይ በሎጅስቲክስ አሰራር፣ ችግሮችና የመፍትሄ እርምጃዎች፣ በሞጆ ሎጅስቲክስ ማዕከል ግንባታ፣ የቀዝቃዛ ምርቶች ፕሮጀክት ላይ ገለጻ መደረጉን ከባለስልጣኑ ያገኘነው መረጃ ያመላክታል፡፡
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ሓቢርካ ንምስራሕን ንቴክኒካል ኮሚቴ ተወሳኺ ልምዲ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝደልዩ ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።