ጉጅለ ልኡኽ መናእሰይ ሓምለዋይ ኣሰር ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕውነት ኣፍሪካን ሓምለዋይ ኣሰር ዲፕሎማሲን ዕላማ ዝገበረ ጉጅለ ልኡኽ መናእሰይ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ኣቲዩ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጂቡቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣመቦሊ እንትበፅሕ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ጂቡቲን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ብሚኒስትር ዴኤታ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ሙሳ ኣሕመድ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ሕውነት ኣፍሪካን ሓምለዋይ ኣሰር ዲፕሎማሲን ናይ ምጥንኻር ልኡኽ ክዋፃእ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ልውውጥ ተመክሮ ከምዘካይድ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment