ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ትግራይ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕብረት ኣውሮፖ ዳይሬክተር ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ሓውሲ ሰሃራ ኣፍሪካ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ኣንድሪ ኮልማህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ መዓልቲ ከተማ መቐለ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ፥  ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝተየ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ  ምስ ሴክሪታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፣ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ፣ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ዘስዓቦ ኩለመዳይ ዕንወት ብፍላይ ድማ ኣብ ዓዉደ ሕርሻ ፣ ትምህርቲ፣ ኩነታት ተመዛበልትን ትግራይ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ተዋሂቡዎ።

ብመሰረት እቲ መድረኽ ዘተ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንምዕዛብ ኣብ ዞባታት ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ብሰንኪ ኵናት ንተደራረብቲ ፀገማት ተቓሊዖም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተዘዋዊሮም ክዕዘቡ ትፅቢት ይግበር ክብል ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment