ጉጅለ ህወሓት እናተጠቐመሉ ዝነበረ 32 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር ፣2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ህወሓት እናተጠቐመሉ ዝነበረ 32 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ።

እቲ መዓወኒ ሓሽሽ ብተሸከርካሪ ተፃዒኑ ካብ ሑመራ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክኣቱ ክብል ከምዝተትሓዘ ዋና ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ በርጌድ ቴድሮስ ኮማንደር ዘለቀ ምትኩ ንኤመሓኣ ተዛሪቦም፡፡

ብዓለም ለኸ ሕጊ ዝተኸልከለ ካናቢስ ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሽሽ፥ እቲ ዘራፊ ጉጅለ ህወሓት እድሚኦም ንውግእ ዘይበፅሑ ህፃናት ክጥቀሙሉ ብምግባር ናብ ኲናት እናእተዎም ከምዝኾነ ኢዶም ዝሃቡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ምዝራቦም እቶም ዋና ኣዛዚ ገሊፆም፡፡

እቲ ዘራፊ ጉጅለ ህፃናት ናብ ኲናት ምእታዉ ከየኣክል ዓለም ለኻዊ ገበን ዝኾነ መዐወኒ ሓሽሽ ህፃናት ክጥቀሙሉ ምግባሩ ዝወረደ ተግባር ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ካብ መዐወኒ ሓሽሽ ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ዘፍረዮም ክዳውንቲ ፖሊስ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ቤት ህንፀትን ከምዝተትሓዙ እውን እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment