ጉጅለ ህወሓት ንዝሰርሖ ግፍዒ ናይ ኢዱ ክረከብ ኣለዎ-ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ዝብል መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት  ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ጉጅለ ህወሓት ንዝሰርሖ ግፍዒ ናይ ኢዱ ክረከብ ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ንዘብፀሖም ዘሰክፉ ግፍዒታት ናይ ኢዱ ክረከብ ክብሉ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዐሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘበፅሖ መጥቃዕቲ ዘሕዝንን ይቕረ ዘይበሃለሉን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣረመኔ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጫፍ ውድቀት ዝበፅሐሉ ምኽኒያት ብቡዙሕ ኣሽሓት ኣብ ልዕሊ ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ዘበፅሖ በደል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝግበር ደገፍ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ናይቲ ጉጅለ ምውጋድ ንኢትዮጵያውያን ልዑል ዕረፍቲ ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሶማሌ፣ ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ዓፋርን ከምኡ ውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ “ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ!” ብዝብል መሪሕ ወቃል ብዝተፈላለዩ ስነስርዓታት ተኻይዱ።

ሰዓት 5:30  ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት፥ ኩሉ ሰብ ንሓደ ደቒቓ ያማናይ ኢዱ ኣብ ፀጋማይ ልቡ ብምግባር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎ ክብሪ ኣርእዩ ኢዩ።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment