ጉጅለ ህወሓት ሎሚ እውን ብምጭብርባር ተግባሩ ባዕሎም ንባዕሎም ዝዋቕዑ “ንስዕር ኣለናን ንደራደርን” ሓሳባት ይስንዝር ኣሎ-ኣይተ ነብዩ ስሑልሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ህወሓት ሎሚ እውን ብምጭብርባር ተግባሩ ባዕሎም ንባዕሎም ዝዋቕዑ “ንስዕር ኣለናን ንደራደርን” ሓሳባት ይስንዝር ኣሎ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑልሚካኤል ገሊፆም።

ኣይተ ነብዩ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ብድፍኢት ህዝቢ ኣብ መቐለ መሕብኢ ካብ ምግባር ብዝዘለለ ብኣንባገነናዊ ኣካይዳ እንትረአ ለውጢ ደለይቲ እውን ዓፊኑ ትግራይ ኣልቦ ኣማራፂ ሓሳብን ፀረ ለውጢን ኣምሲሉ ንምስኣል ፃዕሪ ገይሩ ኢዩ አሎም።

ምንም እኳ እቲ ጉጅለ ሃገር ክሳብ ምፍራስ ኣብ ዝበፅሕ ኣካይዳ ይሃሉ እንበር፥ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምቤተሰብ ምስ ዝረአአን ዓንዲ ሑቐ ሃገር ንዝኾነን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከጥቅዕ ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን ኢሎም።

እቲ ተግባሩ ንህዝቢ ትግራይ ዘሕዘነን ህዝቢ ዘቖጠዐን ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ነብዩ፥ ብምኽኒያት እዚ ድማ ሕብረተሰብ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምዃኑ ዘርኣየሉ፤ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኣካይድኡ ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ዝኸድዑሉነ ኩነታት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ብፖለቲካ ምስዓር ከምዘይከኣለ እንተረጋግፅ ካሊእ ኣንፈት ጥፍኣት ዝተኸተለ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት፥ ኲናት ከምዘየዋፅኦ እናፈለጠ ናብቲ ተግባር ዝኣተወሉ ውጥረት ብምፍጣር ናብ ድርድር ኣትዩ ኣፍልጦ ንምርካብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተርኣዩ ባዕሎም ንባዕሎም ዝዋቕዑ “ንስዕር ኢናን ንደራደርን” ዝብሉ ፕሮፖጋንዳታት ናይዚ መርኣዪ ኢዮም እውን ኢሎም።

ጉጅለ ህወሓት ፀገማት ብድርድር ናይ ምፍታሕ ልቦና እንተዝነብሮ ብተደጋጋሚ ቅድሚ ኣዋርሕ ሰፋሕቲ ዕድላት ነይረምዎ ኢዮም ኢሎም።

ዕላምኡ ካሊእ ብምዃኑ ፃውዒት ሰላም ካብ ምቕባል ወፃእ በቢዕለቱ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ብኲናት ፕሮፖጋንዳ ተፀሚዱ ምውዓል ኢዩ መሪፁ ክብሉ ኣይተ ነብዩ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌዴራል ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣካይዳ ጥፍኣት ህወሓት ብትዕግስቲ እንተሓለፈ እውን ሐዚ ግን ባዕሉ ዘይንካእ ነኺኡን ዘይድፈር ደፊሩን ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንኹሉ ነገር ቀይሕ መስመር ስለዘለዎ ሐዚ ሓንቲን ሓንቲን ኣማራፂት እቲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝኾነት ኣገንዚቦም።

ኣተሓሳስባ ህወሓት ትኽክል ዘየኮነ ብምዃኑ መጥፊኢኡ ተቐላጢፉ ኢዩ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ለውጢ ደለይቲ ይኹኑ ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልል ዝነበሮም ዓፈና ካብ ውሽጢ ብምግንፋሉ ዕድመ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ንክሓፅር ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ክልል ብዝተረጋገዐን ብዝተወደበን መገዲ ናብ ልምዓትን ዴሞክራሲን ንምስግጋር ንባዕሉ ከዳሊ ኣለዎ ኢሎም ኣይተ ነብዩ።

ነዚእውን ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ባዕሉ ዝኸኣለ ጊዚያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ  ሓቢሮም።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment