ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 6 ቢሊየን ገንዘብ ንመፈፀሚ ገበን ከይጥቀም ተገይሩ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መጥቃዕቲ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ልዕሊ ብር 6 ነጥቢ 7 ቢሊየን ገንዘብ ንመፈፀሚ ገበን ከይጥቀም ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ ብር 97 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብሕጋዊ መገዲ ናይ ውርሲ ውሳነ ንኽመሓላለፈሉ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተመሓላለፈ ገሊፁ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዳይሬክቲሬት ጀነራል ብገበን ዝተረኸበ ሃፍቲ ምምላስ ኣይተ ኣለምኣንተ ኣግዘው፥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅም ንደሓር እቲ ጉጅለ እናተቖፃፀሮም ዝነበሩን እቶም ንብረታት ንዘይሕጋዊ ዕላምኡ ክጥቀመሎም ይኽእል ኢዩ ብዝብል ዝተጠርጠሩ ትካላት ከምኡ እውን ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ጦር መኮንናትን ካልኦት ሰብ መዚን ብዝተገበረ ክትትል ሃፍቲን ምርመራን ውፅታዊ ስራሕ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment