ጉጅለ ህንፀት ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቆራፅ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ህንፀት ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ንሓደጋታት ምላሽ ኣብ ምሃብ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቆራፅ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮንን ብዋና ዳይሬክተር ጉጅለ ህንፀት ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኢብራሂም ቼክ ዝተመርሐ ልኡኽ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኢትዮጵያ ኣባል ጉጅለ ህንፀት ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ብምዃና መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቲ ጉጅለ ጠለብ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ንሓደጋታት  ምላሽ ንመሃብ ምስታ ሃገር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን 39 ኣባል ሃገራት ከምዘለዉዎ ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ምስ እዘን ሃገራት ብምትሕብባር ከም ድርቂ፣ ውሕጅን ለበዳታትን ዝበሉ ሓደጋታት ኣብ ምቁፅፃር ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ከምዝስራሕ ፀሪሖም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ “ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህንፀት ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ጉጅለ ቴክኒክ ብምጥያሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክሰርሕ ኢዩ” ኢሎም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮንን ብግደኦም÷ ኣባል እዚ እናዓበየ ዝርከብ ጉጅለ ኢንሹራንስ ምዃን ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዓቕሚ ብምጉልባት፣ ጥንኩር ምላሽ ዝህቡ ሜላታት ብምዝርጋሕ፣ ስራሕቲ ድግመ ህንፀት ብምውጋን ሓደጋታት ንምፅዋር ኣድላዪ ስጉምቲታት ኢዮም” ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment