ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ከባብታት ዝግበር ዳግመ ምጥያሽ ኩሉ ዜጋ ክሳተፍ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ተወለድትን ፈተውትን ላስታ ላልይበላ ኣስታት 6 ሚሊየን ብር ብምትእኽኻብ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ድጋፍ ገይሮም።

ኮሚቴ ጊዜያዊ ኣካቢ ሓገዝ ቅዱስ ላልይበላ÷ እቲ ከባቢ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተታሒዙ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ኣገደስቲ ኣፋውስን ምግቢ ተንከፍ ድጋፋትን ብናይ ፅዕነት እንስሳታት ብክልተ ዙር ከምዘብፅሐ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብቲ እዋን ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላት ጥዕናን ብምዕናዎምን ኣገልግሎት ብምቁራፆምን እቲ ማሕበረሰብ ንዝኸፍአ ፀገም ተሳጢሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን÷ እቲ ኮሚቴ ምስ መራሕቲ ሃይማትን ሽማገለታትን እቲ ከባቢ ብምዃን ብምትሕብባር ኣፋውስ ምብፅሑ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኣይተ ደሳለ ምትኩ ገሊፆም።

“ላልይበላን ከባቢኣን ካብ ወራር ነፃ ድሕሪ ምዃነን፤ ህፁፅ ድጋፍ ኣካቢ ኮሚቴ ላስታን ቅዱስ ላልይበላን ልዕሊ 2 ሚሊዮን ብር ግምት ዘለዎም ዓይነታት ምግቢ ዕድጊት ብምፍፃም ን3ይ ዙር ነቲ ማሕበረሰብ ኣብፂሑ እዩ” ኢሎም።

ኣብ 3ይ ዙር ኣብ ዝተገብረ ድጋፍ÷ ልዕሊ 3 ሚኢቲ ኩንታል ሕሩጭ፣ 4 ሽሕን 5 ሚኢቲን ሊትሮ ዘይቲ፣ 20 ኩንታል በርበረን ካልኦት ናውትታትን ዘካተተ እዩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment