ጉድኣት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝርከቡ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝድግፍ ፕሮጀክት ናበ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ጉድኣት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝርከቡ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝድግፍ ፕሮጀክት ናበ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ሓይሊ ሰብ፣ መናእሰይን ክእለት ልምዓትን ስርዓተ ፆታን፣ ተጠባባቒት ዳይሬክተር መምርሒ ደቂ ኣንስትዮን ሲቪል ማሕበረሰብን ማርታ ፍሪ (ዶ/ር) ውፅታዊ ዘተ ከምዝገበራ ገሊፀን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ እቲ ባንኪ ኣብ ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ብሓባር ምስራሕ ንምጥንኻር ኢሉ እውን ኣብ ቀፃሊ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ፃድሂበን ከምዝተዛተያ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ገሊፀን፡፡

“በዚ ድማ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ጉድኣት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝድግፍ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ ናበ ስራሕ ዝኣትወሉ ኩነታት ብዝርዝር ተመልኪትና” ኢለን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ንካልኦት ተሞክሮ ከምዝኸውን ብምግላፅ እቲ ተሞክሮ ኣብ ምስፋሕ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዓ ገሊፀን፡፡

Comments (0)
Add Comment