“ጉዳይ ንምፍፃም ቢጫ ትኬት ቁረፁ” ብምባል እናታለሉ ዝነበሩ 9 ተጠርጠቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ጉዳይ ንምፍፃም ቢጫ ትኬት ቁረፁ” ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ብኣሽከርከርቲ እናተንቀሳቐሱ ገበን ምትላል እናፈፀሙ ዝነበሩ 9 ተጠርጠቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ተጠርጠርቲ ገበን ዝፍፅሙ፥ ሰራሕተኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኢሚግሬሽን፣ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ፣ ሰራሕተኛታት ጉምሩኽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዓለም ብምምሳል ከምዝኾነ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ገበን ናብቶም ቤት ዕዮታት ጉዳይ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝመፅኡ ዓማዊል ዝፍፅሙዎ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ውልቀ ሰባት ኣቑሑት ኣታሊሎም ምስ ፀዓኑ ሒዞም ከምዝስወሩ ፖሊስ ብዝገበሮ ዝተጠናኸረ ሓለዋን ክትትልን ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ገሊፁ፡፡

ስራሕቲ ምርመራ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment