ጉዳይ ብዕፃን ጨረታን ተዓዲሎም ነባሪ ዘይኣተወሎም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣበይ በፅሐ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕፃን ጨረታን ተዓዲሎም ነባሪ ዘይኣተወሎም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲን ኣባይቲ ንግዲን “ንዘይሕጋዊ ተግባር ይውዕሉ ኣለዉ” ብዝብል ቅርታ ይቐርብ ኣሎ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ጉዳይ መሰረት ብምግባር ብዝገበሮ ምፅራይ፥ ብዕፃን ጨረታን ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲን ኣባይቲ ንግዲን ዝበፅሖም ነበርቲ ንክኣትዎ ዳግም ፃውዒት ቀሪቡ።

ብመሰረት እዚ ውሱናት ናብ ኣባይቶም ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ውሱናት ድማ ስራሕቲ ሕድሳት እቲ ገዛ ኣብ ምክያድ ከምዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እንበር ሐዚ እውን ብዙሓት ኣባይቲ ኣብ መዓለኦም አንተይወዓሉ ንመአከቢ ጓሓፍ፣ መውዓሊን መሕደሪን  እንስሳት ከምኡውን ንዘይሕካዊ ተግባር ይውዕሉ ከምዘለዉ ዝገልፁ ሓበሬታታት ብሒደት ኣካላትን ማሕበራዊ ሚዲያን እንትውዛዕ ይረአ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዝምልከቶ ኣካል ኣዘራሪብና ጉዳይ እቶም ኣባይቲ ኣበይ ከምዝበፅሐ ምላሽ ክነቕርብ ኢና።

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment