ጉዳይ ምስፍሓን ምብራኽን ፖለቲካዊ ስነ ምህዳር ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ነፃነት ዘረጋግፅ ኢዩ- ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖለቲካዊ ስነ ምህዳር ትግራይ ናይ ምስፍሓን ምብራኽን ጉዳይ ንህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ነፃነት ካብ ምርግጋግፅ ወፃእ ዘምፅኦ ኣሉታዊ ሳዕቤን የለን ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምስላጥ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ መደባት፣ ስትራቴጅታትን ኣንፈታትን ዝተማለአ ሓበራዊ ርድኢት ንምፍጣር ዓሊሙ ክካየድ ዝቐነየ ክልላዊ መድረኽ ተዛዚሙ።

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ኣገደስቲ ሕቶታትን ርኢቶታትን መብርሂ ዝተውሃበ አነትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ኣብቶም ዝተነፀሩ መደባት፣ ስትራቴጅታት፣ ኣንፈታትን  ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተማለአን ሓበራዊ ርድኢትን ዝተበፅሐሉ መድረኽ ከምዝነበረ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

መላእ መሓውር መንግስቲ ንዕውትነት እቶም መደባትን ሽቶታን ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምፍፃም ብውህደትን ስምረትን ምውፋር ከምዘድሊ ሓበራዊ ርድኢት ተፈጢሩ እዩ እውን ተባሂሉ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ተረኺቦም ናይ ስራሕ መምርሒ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ፖለቲካዊ ስነ ምህዳር ትግራይ ናይ ምስፍሓን ምብራኽን ጉዳይ ንህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ነፃነት ካብ ምርግጋግፅ ወፃእ ዘምፅኦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘየለ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ዴሞክራሲ ዘሎ ግድፈት ክንምልእን ክነስፍሕን፣ ምሕደራና ምዕሩይን ፍትሓዊን ክንገብር ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ዘይደልዮ ኣመራርሓ ንሕና ንፈልጠልካ ብዝብል ኣካይዳ ክነቐፅል ኣይንኽእልን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ኣብ ምሕደራ ዘሎ ፀገም ብዘተኣማምን ብርኪ ክሳብ ዝተፈትሐ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ዓቕሚ ገዚፍ ምዃኑን ዘሎ ፀገም ፋይናንስ  እውን ምቅላል ከምዝከኣልን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment