ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ብሓደጋ ውሑጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ነበርቲ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመቱ ናውቲታት ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ብሓደጋ ውሑጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ነበርቲ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመቱ ናውቲታት ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ ካብ ማሕበረሰብ ሙስሊም፣ ተካላት ገብረ ሰናይን ውልቀ ሰባትን ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝተውፃእፀአ እንትኸውን፥ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመት ዘይቲ ብልዒ፣ ናውቲታት ገዛን ኣልባሳትን ዘካተተ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ናብ ከተማ ሳመራ ብምኻድ ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሓጂ መሐመድ ካሕሳይ፥ ዝፀንሐ ባህሊ ምድግጋፍ ህዝብታት ክልል ትግራይን ዓፋርን ካብ እዋን ናብ እዋን እናጎልበተ ከምዝመፅአ ዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ሐዚ ዝተገበረ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከመዝቕፅል ሓቢሮም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም፥ መንግስቲን ህዝቢን ትግራይ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ንዝገበሮ ሓገዝ ብስም መንግስቲን ህዝቢን ዓፋር አመስጊኖም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽኒያት ሓደጋ ውሑጅ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር 5 ሚሊየን ብር ዝግመት እታዎታት ምግቢን ናውቲን ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ደገፍ ከምዝገበረ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment