ጉዳያት መረፃ ጥራሕ ዝዳነዩሎም 21 መጋባእያታት ከምዝተወደቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መረፃ ስዒቡ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ክትዓት ብፍሉይ ኩነታት ዝተኣናገዱሎም ረቂቕ ደምቢ ዝምልከት መድረኽ ተኻይዱ።

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ስዒቡ ዝለዓሉ ክትዓት ብፍሉይ ኩነታት ዘተኣናኣናግዱ ኣቢያተ ፍርዲ እናተዋደዱ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ጉዳያት መረፃ ብቤት ፍርዲ ዝተኣናገዱሎም ደምቢ መረዳእታን ስነ-ስርዓትን ቁፅሪ 1/2013 ምልከት መድረኽ መረዳእታ ባይቶ ወከልቲ ተኻይዱ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ኣቐባሊ ቓል ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልን ኣይተ ተስፋየ ንዋይ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንመረፃ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዝህቦም ውሳነታት መበገሲ ብምግባር ዝቐርቡ ቅርታታት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ከምዝከኣል ብኣዋጅ ምድንጋጉ ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ንዝለዓሉ ክትዓት ቅልጡፍ ውሳነ ንመሃብ ዘኽእሉ ረቂቕ ደምቢ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም።

እቲ ረቂቕ ኣብ እዋን ክትዕ ዝቐርቡ ክሲታት፣ ከይዲ መረዳእታ ኣቀራርባ መልሲ ክኽተሎም ዝግበኦም ስነ-ስርዓታት ከምዘመላኸተ እውን ተሓቢሩ።

ጉዳያት መረፃ ጥራሕ ዝዳነዩሎም 10 መጋባእያታት ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ 11 መጋባእያታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምዝተወደቡ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ከይዲ መረፃ ዝቐርቡ በዝሒን ዓይነትን ቅርታታት ብምርኣይ ተወሰኽቲ መጋባእያታት ክውደቡ ክግበሩ ኢዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment