ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን በምፅዳቕ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ምምሕዳር ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ዘተ ብምግባር ኣፅዲቑ።
እቲ ብኣብዘሓ ድምፂ ዝፀደቐ ሓዱሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 243/2014 ኮይኑ ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ብመንፅር በዝሒ፣ ዓይነትን ኩነታት ዕዳጋን እቲ ትካል ተመሓይሹ ዝተሰናድአ ኢዩ ተባሂሉ።
ስርዓት ምትሕግጋዝ ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ንምጥንኻር ኣዋጅ ቡሳ ጎኖፋ ክልል ኦሮሚያ ብኣብዝሓ
ድምፂ ኣብ ስራሕ ንክውዕል እቲ ጉባኤ ተዛቲዩ ከምዘፅደቖ እውን ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣዋጅ ጋቸነ ሲርና ክልል ኦሮሚያ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።
ብተመሳሳሊ እቲ ጉባኤ በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ዝተጓደሉ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ጨፌ ሹመት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።
ብመሰረት እዚ፦

1 ኣይተ ግርማ ታረቀኝ – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ምምሕዳር፣ ሕግን ልምዓት ሓይሊ ሰብን

2 ኣይተ ገልማ ዋቆ – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ማሕበራዊ ጉዳያት

3 ወይዘሮ ሰአዳ ኢብራሂም – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ማሕበራዊ ጉዳያት

4 ኣይተ ሃሩን ኦብሳ – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ በጀትን ምምሕዳር ንብረት መንግስቲን

5 ኣይተ ከበደ ዴሲሳ – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ምምሕዳር፣ ሕግን ልምዓት ሓይሊ ሰብን

6 ኣይተ ሲራጅ ኣብዱሮ – ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ከተማ ብምዃን ተሸይሞም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙን ዳግማዊ ዴክሲሳን

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment