ጉባኤ ጉጅለ 20 ሲደብሊውኤ ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ዕላማ ከምዝተሓንገጠ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን ብፕሬዚዳንትነት ዝምራሕ ጉባኤ ጉጅለ 20 ‘ኮምፓክት ዊዝ ኣፍሪካ (ሲደብሊውኤ)’ ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ዕላማ ከምዝተሓንገጠ ተገሊፁ፡፡

ሲደብሊውኤ ጉባኤ በጀርመን በርሊን በመካሄድ ላይ ነው፡፡

ጉጅለ 20 ኣብ ሲደብሊውኤ÷ ተሃድሶ ተኮር ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ኣብ ሓበራዊ ሸቶታትን ብቕርበት ምስ መሓዙት ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት ቁጠባዊ ሃፍቲ ብምምሕያሽ ብዙሕ ናይ ውልቀ ኢንቨስትመንት ናብተን ሃገራት ንኽውሕዝ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ተገሊፁ።

ተሳተፍቲ ሃገራት እቲ ጉባኤ ብባንኪ ዓለም፣ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ከምዝድገፉ እውን ተመላኺቱ።

እዚ ድማ ንኹሎም ተሳተፍቲ መዳርግቲ ኣካላት ዝጠቅም ፍሉይ በዓል ብዙሕ ወገን ምሕዝነት ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ሲደብሊውኤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ መሓዙት ጉጅለ 20ን ኣፍሪካ ከም ቁልፊ ስርዓት ምትሕብባር ምምፍጣሩ ዚስዴይ ላይቭ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment