ጉባኤ ኮንቬንሽን ሚኒስትራት ፓሌርሞ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሉ መበል 20 ጉባኤ ኮንቬንሽን ሚኒስትራት ፓሌርሞ ተዛዚሙ።

ብዙሓት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ እቲ ኮንፈረንስ ብሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ፡፡

ኣብቲ ኮንፈረንስ÷ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ዘይሕጋውያን ሰባትን ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ፡፡

ብሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለምኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ንምቁፅፃር ዝወሰደቶም ማዕቐፋት ፖሊሲ፣ ትካላዊ ውዳበታትን ስጉምቲታት መስተኻኸሊን ኣመልኪቶም ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ምዃና ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment