ጉባኤ አቪዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህጉራዊ ጉባኤ ኣቪዬሽን “ዝተዋደደ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ምትግባር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ምክያድ ጀሚሩ።

ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ሲቪል ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣዲፉንኬ ኣዲዬሚ÷ ኣብ ኣፍሪካ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ኣካል ዛዕባ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ምዃኑገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ጋህዲ ኣብ ምግባር ኢትዮጵያ ንምዕባ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 35 ሃገራት ኣፍሪካ ቀጥታ በረራ ምግባሩ÷ ባዕሉ ዝኸኣለ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“እቲ ፕሮጀክት ኣፍሪካ ንትሓስቦ ጥንኩር ጥምረት ቁጣባዊ ሃፍቲ ጋህዲ ንምግባር ዓብዪ ሓገዝ ስለዝህልዎ ንተግባራዊነቱ ብሓባር ምስራሕ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ሓደ ዝተዋደደ ትራንስፖርት ኣየር ንኽትግበር ኢትዮጵያ ሓዊሱ 36 ሃገራት ኣፍሪካ ኣካል እቲ ዕዳጋ ንምዃን ክታመን ኣንቢረን ኢየን።

እተን ሃገራት 80 ሚኢታዊ ዕዳጋ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዝሕዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብበርናባስ ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment