ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ዝተረፉ ኣባላት ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ናብ ሰለማዊ ኣማራፂ ንክመፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኦሮሚያ ዝተረፉ ኣባላት ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ናብ ሰለማዊ ኣማራፂ ንክመፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ስምምዕነት ሰላም ብምኽታሞም ኣባላት እቲ ሰራዊት ናብ ካምፕ ምእታው ምጅማሮም ይፍለጥ።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኦሮሚያ ዝተገበረ ስምምዐነት ሰላም ጠሚቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣማራፂ ሰላም ብምቕባሉ ልዑል ታሕጓስ ከምዝተሰመዖ ገሊፁ።

ኣብ ጫካ ዝተረፉ ኣባላት እቲ ሰራዊት እውን ናብ ሰላመዊ ኣማራፂ ንክመፅኡ ፃውዒት ኣመሓላሊፉ።

 

Comments (0)
Add Comment