ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉመን ዝፀንሕ ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ንስሃን ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉመን 20015 ዓ.ም ዝፀንሕ ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ንስሃን ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ “ፅልኢ ዝረሓቐሉ ፍቕሪን ብሩህ ተስፋን ዝረኣየሉ ሓዱሽ ዓመት ንቀበል” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ናይ ሓባር ከባቢን ሃገርን ብሓባር ንምህናፅ ዓሊሙ ዝተሰናድአ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ፀሓፊ  ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ሊቀትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።

ከከም እምነቱ ኣስተምህሮን ስርዓትን ከምዝፍፀም ድማ ሓቢሮም።

3 ጷጉሜን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣብ ዘለዋ ኩለን መሳጊድ ስነ ሰርዓት ፀሎት ዝግበር እንትኸውን፥ 4 ጷጉሜን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሻውዓይ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ስነ ስርዓት ፀሎት ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

5 ጷጉሜን ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ወንጌላውያን ኣብያተክርስቲያናት ሕብረት ኢትዮጵያ ፣ መካነየሱስ፣ ቃለህይወት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ትምህርትን ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ 5 ጷጉሜን ድሕሪ ሰዓት ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ናይ ኩለን ኣብያተ እምነትን ኣመራርሓ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸብሉ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ክካየድ ኢዩ።

ብዘረኣዕቆብ ያዕቆብን ሜሮን ሙሉጌታን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment