ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ትካላት እምነት ሃገራት ጉጅለ 20 ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ፎረም ትካላት እምነት ሃገራት ጉጅለ 20 ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ ብራዚል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ÷ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ የላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ሓለፍቲን ተወከልቲን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እውን ተሳቲፎም፡፡

ትካላት ሃይማኖት ንመብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ዝውክሉ፣ ዘገልግሉን ሰባት ፅቡቕ ህይወት ከምኡ እውን ናብራ ንኽመርሑ በቢመዓልቱ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ ትካላት ከምዝኾኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ፡፡

ብፍላይ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ጎንፂ ኣብ ምክልኻል፣ ሰላም ኣብ ምህናፅ፣ ልምዓት፣ እታወት ፖሊሲ ኣብ ምሃብን ፖሊሲታት ብዝተማለአ ኩነታት ንኽትግበሩ ድምፂ ብምዃን ዘይትካእ ግደ ዝፃወቱ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ጉባኤ ትካላት እምነት ሃገራት ጉጅለ 20÷ ኣብ ህንፀት ሰላም፣ ኣብ ምስራዝ ዕዳ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ከምዝዛተ ካብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment