ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኣቦታት ሃይማኖትን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዩ።

ኣብቲ ዘተ እቲ ጉባኤ ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝቕፀል እዋን ቤት ፅሕፈት ብዛዕባ ዝኸፍትሉ ኩነታት ልዝብ ከምዝተገበረ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ምስ ትካላት እምነት ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ብዛዕባ ዘግበረሉ ከምኡውን ድርቂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ሕብረተሰብ ብዛዕባ ዘድግፈሉ ኩነታት ልዝብ ተገይሩ ተባሂሉ።

ዝተወሰኑ ኣካላት ሐዚ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ከም ፅቡቕ ኩነታት በምውሳድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣፈላላይ ፖለቲካን ካልኦትን በምፍጣር ዘካይድዎ ተግባር ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment