ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቢን ንህቀኑ ተግባራት ከምዘይዕገስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፀ ቅዋሙ ድማ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘይሻራዊ ይኹን እምበር፥ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቢን ንህቀኑ ተግባራት ከምዘይዕገስ ገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ጎንፂ ከይፍጠር ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም ኣቦታትን ፈተነ ምዝታይን በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተቐባልነት ዘይምርካቡ ክዕወት ከምዘይከኣለ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበሩ ግልፂ ፅዕንቶታት ቀይሕ መስመር እንትሕለፍ ሱቕ ከምዘይብል እውነ ኣፍሊጡ።

በቲ ጉባኤ ኣቢሉ ካብ ላዕለዎት ኣቦታት ብዝቐረበ መግለፂ ቅዋም፥ ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ቀውሲ ህይወት ዜጋታት ምጥፍኡ፣ ኣቢያተ እምነትን ንብረትን ምዕናዉ ብምግላፅ፤ እዚ ጉድኣት ሃገር ዘየገድሸ ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናሕደሩዎ ዝርከቡ ፅንቶ ኣብ መግለፂኡ ፀሪሑ።

ዕላማ እቲ መግለፂ ቅዋም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ረብሓን ሉኣላዊነትን ከምኡ እውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብፅንዓት ጠጠው ንኽብል፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እኩይ ወፍሪታትን ፅዕንቶታትን ዘሕድራ ሃገራት፣ ትካላትን መራኸብቲ ሓፋሽን ካብ መፍረሲ ተግባረን ንኽቀባ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ መግለፂ ቅዋም ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ናብ ዓለም ለኸ ትካላት ተኻታዕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ሃይማኖትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ከምዝለኣኽ እውን እቲ ጉባኤ ኣፍሊጡ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment