ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል ልደት ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል ልደት ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉኃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን መላላእ ዓለምን ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንቋዕ ንበዓል ልደት ጎይታና፣ ኣምላኽናን መድሓኒትናን እየሱስ ክርስቶስ ብሰላምን ጥዕናን ኣብፀሐኩም ኢሎም።

እቲ በዓል፥ ተስፋ ድሕንነትና ዕላዊ ምዃኑ ዝተበሰረሉ፥ ንደቂ ሰባት ጅማሮ ሓዱሽ ምዕራፍ፣ ብምኽኒያት ሓጢያት ምስ እግዚኣብሄር ተባኢሱን ተረሓሒቑን ንዝነበረ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ናይ ምምላሱ ተስፋ ዝተረጋገፀሉ ጅማሮ ብስራት ዓወት  ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

በርሃነ ልደት ንደቂ ሰባት ፀላኢ ንዝኾነ ዲያብሎስ ድማ ምልክት ሓዘን፣ ስዕረት፣ ውርደትን ውድቀትን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንኣና ንእንኣምን ግን ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ሓጢያት ናብ ፅድቂ፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት ናይ ምሽግጋር ጅማሮ ዝተበሰረሉ ናይ ሓዱሽ ተስፋ፣ በረከት፣ ምሕዳስን ክብሪን ዝነኣድ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እዚ ኣስተምህሮን ኣብነትን ዓብዪ በዓል ብርሃነ ልደት ኣብ ህይወትና ብተግባር ብምትርጓም ንረብሓ ኩሎም ደቂ ሰባት ኣብ ዘምፅኡ ኣገልግሎታት ብንቕሓት ብምስታፍ መገዲ ጎይታናን መድሓኒትናን እየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ምስዓብ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

በፍላይ ኢትዮጵያ መርኣያ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕሪን ምዕባለን ንክትከውን ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ስራሕን ኣገልግሎትን ዓቕሚ ዝፈቐዶ ኩሉ ንክንሰርሕ ከብሉ ፃውዒይጨት ኣቕሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment