ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)3ይ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 1ኛ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይን መዛዘሚ እቲ በጀት ዓመትን መክያድ ጀሚሩ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉባኤኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 እቲ ምምሕዳር ከተማን ብቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር እቲ ምምሕዳር ፀብፃብ ኦዲት በጀት ዓመት 2014 ተዛቲዩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፀቢት ኣሎ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2014 ኣቢያተ ፍርዲ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2015 እቲ ምምሕዳር ከተማን ካልኦት ዛዕባታትን ተዛቲዩ ከምዘፅድቕ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡