ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ሓበራዊ ልምዓት ሃገራት ደቡብ ከምዘጠናኽር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ሓበራዊ ልምዓት ሃገራት ደቡብ ከምዘጠናኽር መንግስቲ ቻይና ገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም 2024 ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ቤጂንግ ዝካየድ እንትኸውን÷ ኣብቲ ጉባኤ ቻይናን ሃገራት ኣፍሪካን ምሕዝነተንን ተወሳኺ ዓውዲታት ምትሕብባር ከሕድሳ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረን ሓበራዊ ራኢ ዘለዎ ሓበራዊ ማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪካ ንምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ዥንዋ ፀብፂቡ፡፡

ኢንተርፕራይዛት ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኣፍሪካ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕያሽ ክእለት ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበራ ከምዝርከባ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ቻይና ምስ ኣፍሪካ ዝነበራ ልውውጥ ንግዲ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment