ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ “ኣፍሪካ ኣብ ጥንኩር ሓድነት፣ ንኩለመዳይ ፀፅታን ሰላምን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ÷ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ዘሰናደአትሉ ዋና ዕላማ÷ ዓለም ትርከበሉ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ምኽክር ብምክያድ መፍትሒ ሓሳብ ንምፍልፋል እቲ ጉባኤ ከምዝተሰናደአ ተሓቢሩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment